top of page

ዋሕስ ካበይ ናበይ

ዋሕስ መዓዝን ብኸመይ ተመስሪታ? 

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክስዮን ማሕበር ብተበግሶ ውሑዳት ስራሕ ፈጠርትን ፈተውቲ ልምዓትን ተጋሩ፤ ሓምለ 2014 ዓ/ም ብሓሳብ ተወጢና፤ የካቲት 26/2015 ዓ/ም ብንግዲ ሕጊ ኢትዮጵየያ ሕጋዊ ሰውነት ዝረኸበትን መጋቢት 30/2015 ዓ/ም 185 መስረቲ ኣባላት ኣብ ዝተረኸብሉ መስራቲ ጉባኤ ብዕሊ ዝተመስረተት ኣክስዮን ማሕበር እያ፡፡

ከይዲ ምጥያሽ ዋሕስ 

ብዓይኒ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን እንትምዘን፤ ትካልና ዋሕስ ኣብ ብጣዕሚ ሓፂር ዝብሃል ግዜ ውሽጢ ተጣይሻ ናብ ምስረታ ዝበቕዐት ማሕበር እያ። ኣብ ከይዲ ምጥያሽ ካብ ዝተፈፀሙ ብዙሓት ስራሕቲ ውሽጢ እቶም ዋና ዋና ተግባራት ንምልዓል ዝኣክል፤

  • ሼራት ምሻጥን ምፍላጥን 

  • ሕጋዊ ሰውነት ምርካብ

  • ትካላዊ መሰረት ምንፃፍ ዝብሉ እቶም ዋና ዋና ተግባራት እዮም። 

5N3A1590.JPG

ታሪኽ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ

ዋሕስ ሪል-ስቴት ብተበግሶ ውሑዳት ግዱሳት ተጋሩ ኣብ ግዜ ዕፅዋን ክባን ብሓሳብ ተጠኒሳ፤ የካቲት 26/2015 ዓ/ም ብንግዲ ሕጊ ኢትዮጵየያ ሕጋዊ ሰውነት ዝረኸበት ትካል እያ፡፡ 

ትካል ዋሕስ ብዕሊ ቅድሚ ምጥያሻ፤ ብዛዕባ ክትነጥፈሉ ዝሓሰበት ዓውዲ ስራሕ መበገሲ ፅንዓት ንምክያድ ተሞኪሩ እዩ። ብፅንዓቱ መሰረት እውን ኣብ ትግራይ ዘሎን ዝነበረን ፀገም መንበርን መስርሕን ቦታ ንነዊሕ ግዜ ዝተጠራቐመን ካብ ዓቕሚ መንግስትን ሰብ ሃፍትን ንላዕሊ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢና። 

​

ፀገም መንበርን መስርሕን ቦታ ካብቶም መሰረታዊ ጠለባት ደቂ ሰባት ሓደ ምዃኑ እሙን እዩ። እዚ ፀገም እዙይ እንተዘይተፈቲሑ ድማ ካልኦት ብዙሓት ፀገማት ከምዘስዕብ ግልፂ እዩ። ጥቕልል ኣቢልካ እንትርአ ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ቀውሲ ከምዘስዕብ ምቕማጥ ይከኣል። ጥልቀቱ ግን ካብዙይ ንላዕሊ እዩ። ንትግራይን ተጋሩን ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለን ኣብ ምኽፋል ዘሎን ገዚፍ ማሕበራዊ ፀገም ምዃኑ ሩዱእ እዩ።

ንኣብነት፤ ምምስራት ሓዳር፣ ምውላድ ቆልዑን ምፍጣር ሕጉስ ቤተሰብ ምስ ዋንነት ገዛ እናተተሓሓዘ ዝነብር ሰብ ብጣዕሚ ብዙሕ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢና። ካብዙይ እንርድኦ ድማ ዘርእና ከይውስኽ፣ ኢኮኖሚና ከይዓቢ፣ ኣተሓሳስባና ዘሓሸ ለውጢ ከየምፅእ ቀይዱ ብምሓዝ ከቢድ ተፅዕኖ ከምዘሕደረልና ተገንዚብና ኢና።

​

ካብዙይ ተበጊስና ነቲ ዓውዲ ብኣግባቡ ንመዝን እንተይልና፤ ስራሕቲ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ንዋሕስ ዝህቦ ትርጉም፤ ካብ ስሙ ንላዕሊ ትርጉም ዝወሃቦ ዓውዲ ስራሕ ምዃኑ ኢዬ። ብኻሊእ ኣዘራርባ ምልማዕ ኣባይቲ ተራ ህንፀትን ምንቅስቓስ ንግድን ጥራሕ ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ዙርያ ኩለመዳይ ልምዓት ሕብረተሰብ ዕዙዝ ግደ ዝፃወት ዓውዲ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ።

5N3A5223.JPG
ራዕይ ዋሕስ
ኣብ ኩሎም ዓውዲ ስራሕቲ ኣብነታዊ ተግባር ዝፍፅምን ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ተጋሩ ኣብ ምፍታሕ ፍሉይ ተራ ዝፃወትን ናይ እማን ዋሕስ ኩሎም ፅጉማት ዝኾነ ትካል ኮይኑ ምርኣይ። 

ቁሩብ ብዛዕባና

እቶም ኣብ ዕዳጋ ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ገዛ ክገዝኡ ዘይኽእሉ ኣካላት ክገዝእዎ ብዝኽእሉሉ  ዋጋን ናይ ኣከፋፍላ መማዋሕስ ሪል-ስቴት ብተበግሶ ውሑዳት ግዱሳት ተጋሩ ኣብ ግዜ ዕፅዋን ክባን ብሓሳብ ተጠኒሳ፤ የካቲት 26/2015 ዓ/ም ብንግዲ ሕጊ ኢትዮጵየያ ሕጋዊ ሰውነት ዝረኸበት ትካል እያ፡፡ ረፅን ገዛ ሰሪሕኻ ምሻጥን ካብዚ ዝርከብ ትርፊ ንኣባላት እቲ ትካል ምስብሳብን እዩ፡፡

5N3A1618.jpg

ሓፂር ታሪኽ ዋሕስ ሪል-ስቴት

ትካል ዋሕስ ብዕሊ ቅድሚ ምጥያሻ፤ ብዛዕባ ክትነጥፈሉ ዝሓሰበት ዓውዲ ስራሕ መበገሲ ፅንዓት ንምክያድ ተሞኪሩ እዩ። ብፅንዓቱ መሰረት እውን ኣብ ትግራይ ዘሎን ዝነበረን ፀገም መንበርን መስርሕን ቦታ ንነዊሕ ግዜ ዝተጠራቐመን ካብ ዓቕሚ መንግስትን ሰብ ሃፍትን ንላዕሊ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢና።

ፀገም መንበርን መስርሕን ቦታ ካብቶም መሰረታዊ ጠለባት ደቂ ሰባት ሓደ ምዃኑ እሙን እዩ። እዚ ፀገም እዙይ እንተዘይተፈቲሑ ድማ ካልኦት ብዙሓት ፀገማት ከምዘስዕብ ግልፂ እዩ። ጥቕልል ኣቢልካ እንትርአ ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ቀውሲ ከምዘስዕብ ምቕማጥ ይከኣል። ጥልቀቱ ግን ካብዙይ ንላዕሊ እዩ። ንትግራይን ተጋሩን ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለን ኣብ ምኽፋል ዘሎን ገዚፍ ማሕበራዊ ፀገም ምዃኑ ሩዱእ እዩ።

ንኣብነት፤ ምምስራት ሓዳር፣ ምውላድ ቆልዑን ምፍጣር ሕጉስ ቤተሰብ ምስ ዋንነት ገዛ እናተተሓሓዘ ዝነብር ሰብ ብጣዕሚ ብዙሕ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢና። ካብዙይ እንርድኦ ድማ ዘርእና ከይውስኽ፣ ኢኮኖሚና ከይዓቢ፣ ኣተሓሳስባና ዘሓሸ ለውጢ ከየምፅእ ቀይዱ ብምሓዝ ከቢድ ተፅዕኖ ከምዘሕደረልና ተገንዚብና ኢና።

ካብዙይ ተበጊስና ነቲ ዓውዲ ብኣግባቡ ንመዝን እንተይልና፤ ስራሕቲ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ንዋሕስ ዝህቦ ትርጉም፤ ካብ ስሙ ንላዕሊ ትርጉም ዝወሃቦ ዓውዲ ስራሕ ምዃኑ ኢዬ። ብኻሊእ ኣዘራርባ ምልማዕ ኣባይቲ ተራ ህንፀትን ምንቅስቓስ ንግድን ጥራሕ ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ዙርያ ኩለመዳይ ልምዓት ሕብረተሰብ ዕዙዝ ግደ ዝፃወት ዓውዲ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ።

ዕላማ ዋሕስ!

ነቲ ብቐሊሉ ገዛ ክውንን ዘይኽእል ናይ ሕ/ሰብ ክፍሊ ዝምጥንን ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕልን ናይ መንበርን መስርሕን ገዛውቲ ምህናፅ

ተጋሩ፤ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገም ከም ዓብይ ስግኣት ዘይርእይሉን ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህሎም ዘማዕብሉሉን ኩነታት ምፍጣር።

ዝተፈላለዩ ናይ ህንፃ መሳርሕታትን ማሽነሪታትን ንግዲ ምውፋርን ምክራይን።

ዝተፈላለዩ ናይ ህንፃ ዲዛይንን ፅንዓትን ስራሕቲ ምክያድ፡፡

ምስ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ዝተትሓሓዙ መሰልጠኒ ማእከል ምኽፋት፡

እንሃንፆም መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን፤ ዝሐሸ መልክዕ ከተማን መነባብሮ ሕብረተሰብን ኣብ ምፍጣር ናይባዕሉ ተራ ክፃወቱ ምግባር፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኮንስትራክሽን ናይ ህንፃ ቴክኖሎጂን ስራሕቲ ምስታፍ።

ዝተፈላለዩ ናይ ኮንስትራክሸን ናውቲ ምምራትን ምቕራብን ስራሕቲ ምውፋር።

ዝተፈላለዩ ፍርያታት ናብ ወፃኢ ሰደድ ምግባርን ናብ ዓዲ ውሽጢ ምእታውን፡

ትካልና ብፅንዓቱ ዘረጋገፆምን ቦርድ ዝኣመነሎምን ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕቲ ምውፋር፡

Mud Race

ንዓደግቲ ገዛ ምሕያል

እዚ ቦታ እዚ ክፍሊ ፍርያት ንምልላይን ዝርከቡ ዓይነታት ፍርያት ንምርኣይን እዩ።

Euro

ብተመጣጣኒ ዋጋ ትልምታት ክፍሊት

እዚ ቦታ እዚ ክፍሊ ፍርያት ንምልላይን ዝርከቡ ዓይነታት ፍርያት ንምርኣይን እዩ።

5N3A1585.JPG

ድልዱል ማሕበረሰባት ምህናጽ

እዚ ቦታ እዚ ክፍሊ ፍርያት ንምልላይን ዝርከቡ ዓይነታት ፍርያት ንምርኣይን እዩ።

Flooe 3 bed.jpg

ዘላቒ ልምዓት

እዚ ቦታ እዚ ክፍሊ ፍርያት ንምልላይን ዝርከቡ ዓይነታት ፍርያት ንምርኣይን እዩ።

ምስ ኣባላትና ተራኸቡ

ቦርድ 

bord_edited.jpg

ተወልደ መብራህቱ

 ቦርድ ኣካቢ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ተስፋይ ንርኣ

ምክትል ኣካቢ ቦርድ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ገብረሚካኤል መለስ

ቦርድ ፀሓፊ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ብርሃነ ዘራኣይ

 ቦርድ ኣባል

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

መብራህቱ ፍሰሃ

ቦርድ ኣባል

 ጀነራል ማናጀር

WhatsApp Image 2025-05-17 at 02.21_edite

ተወልደ ኣብርሃ

 ጀነራል ማናጀር

ክፍልታት/department/ሓለፍቲ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ካሕሳይ ገ/ሂወት

ማርከቲንግ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ዕቁባይ ኣለሙ

ኮንስትራክሽን

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ተ/ብርሃን ወሉ

ሓይሊ ሰብ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ሰጣርጋቸው ፀጋይ

ፋይናንሰ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ትርሓስ ተኽላይ

ሎጂስቲክስ

architect-icon-vector-image-can-be-used-diversity_120816-325770.avif

ፍረወይኒ ታደለ

ኦፊስ ኢንጂነር

Wahs Logo
  • Facebook
  • Telegram
  • YouTube
  • TikTok

© 2024 Wahs House Saving & Construction.

PHONE NUMBER : +251938000111/222

Email : wahssharecompany@gmail.com

bottom of page